Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 11:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 11:10
36 Referencias Cruzadas  

ተመለሱ፤ ከም ኣቦታቶም ድማ ጠለሙ፤ ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ።


ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤


እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።


ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።


ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”


ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።


ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።


ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ።


እትነብረሉ ዘለኻ ኣብ ማእኸል ጥበራ እዩ፤ ብሰንኪ ጥበራኦም ድማ፥ ክፈልጡኒ ኣይደለዩን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ፥ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ።


እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።


ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።”


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?


“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።


ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”


ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥


ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”


ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።


ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም።


“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።


ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ።


ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን።


እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos