Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 10:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 10:9
12 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ሰሎሞን ምስ ንጉስ ኪራም ኣብ ባሕሪ፥ መራኽብ ንግዲ ነበራኦ እሞ፥ እተን መራኽብ ንግዲ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳዕ ይመፃ ነበራ።


ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ፤ ንሳተን ከዓ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓደሻዕ ይመፃ ነበራ።


ጣዖታት ኣህዛብ፥ ኢድ ሰብ ዝገበሮም፥ ስርሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።


ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ውህብቶ ኸምፅኡሉ እዮም፤ ነገስታት ሳባን ዓረብን ድማ ገፀ በረኸት ከቕርቡሉ እዮም።


ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ ተሳገሩ።


ንዝተቐረፀ ምስሊ በዓል ሞያ እዩ ዝሰርሖ፤ ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፤ ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ።


“ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።


እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።


ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ።


እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።


ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።


እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos