7 ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?
ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ ድማ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እየ።”
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም።
ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።
መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ።
ንኣህዛብ ኣብ ትሕቴና፥ ንወገናትውን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣግዝአልና።
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸዓ ኽሰግዱሉ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
ኦ ጐይታ፥ ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዝመስል የለን፤ ከም ስራሕኻውን ዝበለ የለን።
ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።
ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ። ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥ ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ከማኻ ሓደ እኳ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፤ ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ።
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን።
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
እዙይውን ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ ኢልኩም ንገርዎም።”
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”