6 ኦ እግዚኣብሄር፥ ከማኻ ሓደ እኳ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፤ ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ።
“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩ፤ ንዕቤቱ ወሰን የብሉን።
ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።
ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦ “ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ? ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤ ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ኣብታ ቕድስቲ እምባ፥ ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ዝፍራሕ እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።
ብመን ትምስሉኒ ኣለኹም? ምስ መንከ ተመዓራርዩኒ ኣለኹም? ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም?
ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤ ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤ ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤ ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።
ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥ ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥ ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥ ዝመስሎ የለን።