Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 10:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ፥ ንመፈራርሒ ኣዕዋፍ ከም ዝትከሉ ነገራት እዮም፤ ክኸዱ ስለ ዘይኽእሉ ሰብ እዩ ዝፆሮም፤ ዝገብርዎ ፅቡቕ የብሎምን፤ ክፉእ ድማ ኽገብሩ ኣይኽእሉን እዮምሞ ኣይትፍርሕዎም።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 10:5
16 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።


ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሜስያስ ነደደ እሞ፥ ሓደ ነቢይ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ኸድሕኑ ዘይከኣሉ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኤዶምያስ ዝሰገድካሎም?” በሎ።


ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።


“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤ ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ። ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።


ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።


ኵሎም ሰባት ፍልጠት ስኢኖም ደንዘዙ፤ እቲ ብፍሲ ዝተገብረ ምስሊ ጣዖት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሉን እዩ እሞ፥ ኣንጠረኛ ዝኾነ ዅሉ፥ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤


እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።


ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።


ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።


ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos