24 ኦ እግዚኣብሄር፥ ቅፅዐኒ፤ ግና ብልክዕ ደኣ ይኹን፤ ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን።
ብወሰኖም ዝኸዱ ነጋዶ ድሕር ይብሉ፤ ናብ ምድረ በዳ ወፂኦም ከዓ ይጠፍኡ።
ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።
እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ።
ነሕሉቕ ከም ከንቱ፥ ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም።
ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።