23 ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።
ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ።
ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ።
ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
ኣካይዳ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመንገዱ ዘስተውዕላ?
ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።