20 ድንኳነይ ተበላሸወ፤ ኵሉ ገመዳተይ ተበታተኸ፤ ደቀይ ተበታተኑ፤ ምሳይ የለዉን፤ ደጊም ድንኳነይ ዝተክል፥ መጋረጃይ ከዓ ዝሰቅል የለን።”
ዝሪአኒ ዘሎ ዓይኒ ሰብ መሊሱ ኣይሪአንን እዩ፤ ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን።
ሓጥኣን ይግልበጡ፥ መሊሶምውን ኣይርከቡን፤ ቤት ፃድቃን ግና ፀኒዑ ይነብር።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ዝመርሓ የለን፤ ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የለን።
ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤ መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤ ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤ ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።
እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ኣርማቴም ድምፂ ዋይ ዋይታን፥ ድምፂ መሪር ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ የለዉን እሞ፤ ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።”
ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይወርድ ኣሎ፤ ኵላ እታ ሃገር ዓንያ እያ፤ ድንኳናትና ብድንገት፥ መጋረጃታትና ድማ ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ።
ሄ። ብሰንኪ ብዝሒ በደላ፥ እግዚኣብሄር መቕፃዕቲ ኣውሪዱላ እዩሞ፥ ፀላእታ ድማ ይገዝእዋ ኣለዉ። ወደረኛታታ ተመቸዎም፤ ደቃ ብፀላኢ ተማሪኾም ተወሰዱ።
ነንስቲ ህዝበይ ካብ ዝፈትዋኦ ኣባይተን ሰጐጕኩምወን፤ ካብ ደቀን ክብረይ ንዘለኣለም ወሰድኩም።