19 “ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።
ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥ ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።
እዙይ ድኻመይ እዩ በልኩ፤ ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ።
ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦ “እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥ ብዓብዪ መስበርቲ፥ ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና፤ ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥ ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።
ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ። ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥ ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን። ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤ ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።
ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥ ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”
ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።