17-18 “ኣቲ ኣብ ዕርዲ ዘለኺ፥ ኣቓሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ፥ በዝ ጊዜ እዙይ ናብ ርሑቕ ሃገር ከወንጭፎም እየ፤ ክሳዕ ዝፍለጦምውን ከፅብበሎም እየ።”
ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።
እቲ ንስኻትኩም እትኣምንዎ ነዊሕን ፅኑዕን ቅፅርኹም ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ክሳዕ ዝፈርስ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም።