16 እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር፥ ግደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሕግኻ ኽሕሉ እየ በልኩ።
እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
ኣቐዲምካ ንዝፈጠርካያ ማሕበርካ፥ ንዝተቤዘኻያ በትሪ ርስትኻ፥ ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር።
ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ።
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤ ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤ ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።
እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ከማኻ ሓደ እኳ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፤ ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ።
እታ ፀሓይ ብመዓልቲ ኽተብርህ፥ ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ብለይቲ ኸብርሁ ዝሓገገ፥ እቲ ንባሕሪ እውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናውፅ፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ስሙ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንምድሪ ዝፈጠራን ዝመስረታን ዘፅንዓን እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”
ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ነፍሰይ፥ “ዕድለይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ።
ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።
ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤ ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”