13 ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ።
ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ።
ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ? ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?
ንእምባታት ካብ መዛግብትኻ ተስትዮም፥ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትፀግብ።
እዝኒ ኣለዎም፥ ኣይሰምዑን፤ ኣብ ኣፎም ድማ እስትንፋስ የለን።
ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።
ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
ብወገን ምብራቕ ብዘሎ ሰማይ ኣቢሉ፥ ናብ ሰማየ ሰማያት ንዝዓረገ እግዚኣብሄር ዘምሩ። እንሆ፥ ቃል ሓይሊ ዝኾነ ቓሉ ይህብ ኣሎ።
ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ።
ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።
ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።
ድምፁ እንተስምዕ፥ ኣብ ሰማይ ማያት ይሃምም፤ ንግመ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ንላዕሊ ኽድይብ ይገብሮ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።
ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ።