10 እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።
ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።
ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ።
ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ፤ ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ፤ ንሱ ፈጠረና፤ ንሕና ኣይኮንናን፤ ንሕናስ ህዝቡ፥ ኣባጊዕ መጓሰኡ ኢና።
እግዚኣብሄር ሕያዋይ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፤ ሓቁ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩሞ።
ንምድሪ ይጥምታ፤ ክትንቅጥቀጥውን ይገብር፤ ንእምባታት ይነኽኦም፤ ንሳቶምውን ይትክዩ።
ኦ ምድሪ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፥ ንጭንጫ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ።
መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፤ ግዝኣትካውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እዩ።
ንሱ ንሰማይን ምድርን፥ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ እዩ፤ ንሓቂውን ንዘለኣለም ዝሕልዋ፥
ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
እግዚኣብሄር ንጥፍኣት ማይ ይእክቦ፤ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጉስ ኮይኑ ይነብር።
ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ።
ነፍሰይ፥ ናብ ህያው ኣምላኽ ትናፍቕ፤ መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ?
እግዚኣብሄር ቃሉ ሃበ፤ እቶም ዘውርዩ ድማ ብዙሓት ሰራዊት እዮም።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።
እግዚኣብሄር ግና ቅድሚ ዓለም ንጉስ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
ፍርዲ ኻብ ሰማይ ኣስማዕኻ፤ ልቢ የዋሃን ምእንቲ ኸድሕን፥ እግዚኣብሄር ንፍርዲ ምስ ተልዓለ፥ ምድሪ ፈርሐት፤ ስቕ ድማ በለት።
ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
ንሱ ንዓለም ብፅድቂ ይፈርዳ፤ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም።
ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።
እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ።
ዙፋንካ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝተዳለወ እዩ፤ ንስኻውን ካብ ዘለኣለም ኢኻ።
መባርቕቱ ንዓለም ኣብርሁ፤ ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት።
ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን።
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
እንሆ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ዕትሮ ኸም ዘላ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ከም ዘላ መንገፍ እዮም ዝቝፀሩ፤ ንደሴታትውን ከም በነንታ የልዕሎም።
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።”
ንቓል ህያው ኣምላኽ፥ ናይቲ ኣምላኽና ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስለ ዝለወጥኩም፥ ድሕሪዙይ ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ኣይትበሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ቃሉ፥ ፆር ክኾኖ እዩ።
ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ንእምባታት ጠመትክዎም፤ እንሆ ኸዓ ራዕራዕ ይብሉ፤ ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ።
ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤ ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤ ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
ንኣምላኽ ዳንኤል ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፥ ፍርሕዎን ኣኽብርዎን ኢለ እእዝዝ ኣለኹ። ንሱ ንዘለኣለም ዝነብር ህያው ኣምላኽ እዩሞ፤ መንግስቱ ኣይትጠፍእን እያ፤ ግዝኣቱውን መወዳእታ የብሉን።
ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤ ሞገድ ማያት ሓለፈ፤ ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤ ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።
ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤ ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤ እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤ እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤ መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።
ንሱ ግና፥ ከም ሓዊ ኣንጠረኛ፥ ከም ሳሙና ሓፃቢ እዩሞ፥ ነታ ንሱ ዝመፀላ መዓልቲ መን ክፃወራ ይኽእል? ንሱ ኽግለፅ እንተሎኸ፥ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ?
ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።
ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።
ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥ ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤ ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።
ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።