7 እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ።
ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
“ሕዚ እውን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንባርያኻ ኽንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፤ ኣነ ኸዓ መውፅእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽተይ ቈልዓ እየ።
ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።
ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥
“እዝ ዅሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፥ ኣይሰምዑኻን እዮም፤ እንተ ፀዋዕኻዮምውን ኣይምልሱልካን እዮም።
ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ።
እንትዛረበካ ግና፥ ንኣፍካ ክኸፍቶ እየ፤ ንስኻውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ክትብሎም ኢኻ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፤ ዝኣቢውን ይእበ።”
ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ።
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።