6 ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።
ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።
ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢየሩሳሌምን ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን፥ ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ፥ ላኪሶን ኣዜቃን ክዋጋእ እንተሎ፥ ኤርሚያስ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።
ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።
ሽዑ ኣነ፥ “ወዮ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ፥ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን፤ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኹን፤ ርኹስ ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን” በልኩ።
ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ።