4-5 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ።
ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።
ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።
ኮነ ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦