3 ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።
ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።
ከምኡውን ናቡከደነፆር ንማታንያ፥ ሓወቦኡ ንኢኮንያን፥ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። ስሙ ድማ ሴዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።
ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።
“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”