19 ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ፤ ግና ኣይሰዓሩንን።
እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፤
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።
ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”
ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም።
ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።
ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣህዛብን ከዓ፥ ከናግፈካ እየ።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”