14 ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ።
ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።
ድምፂ ወረ ስምዑ፤ እንሆ፥ ንኸተማታት ይሁዳ፥ ዑናን መስፈሪ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብርን፥ ድምፅን ብርቱዕ ህምህምታን፥ ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ።
ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።
ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምፅእ እየሞ፥ “ናብ ፅዮን ኣቢሉ ዘመልክት ሰንደቕ ዕላማ” ትኸሉ፤ መፀግዒ ድለዩ፤ ኣይትደንጕዩ።
ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤ ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤ ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤ ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤ ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥ ኣብተን ከተማታትን፥ ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን።
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።
እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ።
ነቶም ከዳዕ ቤት፥ ምስላ ንገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ።
ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።
እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ።