Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ያእቆብ 5:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።

Ver Capítulo Copiar




ያእቆብ 5:6
24 Referencias Cruzadas  

ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!


“ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።


እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።


ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ህዝቢ “በርባን ይፈታሕ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም።


ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።


ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ።


ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።


እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤


ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ።


ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?


ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።


“እቲ ፃድቕ ብጭንቂ ዝድሕን ካብ ኮነ፥ እቲ ዓማፅን ሓጥእን ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios