Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ያእቆብ 4:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።

Ver Capítulo Copiar




ያእቆብ 4:2
14 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸዓ “ንናቡቴ ኢይዝራኤላዊ፥ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ደሊኻ ኽንድኡ ኻልእ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፥ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ እንተ በልክዎስ ኣብዩኒ። ‘ኣታኽልቲ ወይነይስ ኣይህበካን እየ’ ኢሉ ስለ ዝመለሰለይ እየ” በላ።


ኵሉ መንገዲ ህሩፍ ከምዙይ እዩ፤ ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ።


ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።


ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ።


ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም።


ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።


ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።


ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።


ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።


ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos