16 ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።
ኣታ ሓያል፥ ስለ ምንታይ ብኽፉእ እትምካሕ? ንምንታይከ ዅልሻዕ እትዕምፅ?
“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”
ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።
መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።
“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።
ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።
ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።