10 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።
እንተዋረዱኻ፥ ልዕል ክትብል ኢኻ፤ ንሱ ንትሑት ሰብ የድሕኖ እዩ እሞ።
ንዝተዋረዱ ናብ ላዕሊ የደይቦም፤ ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም።
ንድኻ ኻብ መሬት ዘልዕል፥ ንምስኪንውን ካብ መሬት ልዕል ዘብሎ፥
እግዚኣብሄር ንየዋሃን ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ኽሳዕ ምድሪ የዋርዶም።
እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥ ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤ ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።
ህዝብኻ ኣድሕን፤ ርስትኻውን ባርኽ፤ ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም።
ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥ ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዘውዲ ቐንጥጥ፤ ኣኽሊል ኣውፅእ፤ እዙይ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣይነብርን እዩ፤ እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፤ እቲ ልዕል ዝበለ ኸዓ ይዋረድ።
ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”
ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።
እግዚኣብሄር የድኪ፥ የሀብትምውን፤ የዋርድ፤ ልዕል ልዕልውን የብል።
ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፤ እቶም ሓጥኣን ግና ስቕ ኢሎም ኣብ ፀልማት ይቕመጡ፤ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።