1 እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን፥ ካበይ ድዩ ዝመፅእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ፥ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኮነን?
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ፥ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ፥ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ።
ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን።
ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።
እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።