9 ብኣኣ ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ነመስግን፤ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም፥ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።
መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ።
እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።
ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።
ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።
ድሕሪዙይ ዳዊት ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ እስራኤል “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣመስግንዎ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣመስገንዎ። ድንን ድማ በሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ሰገዱ።
ኣፉ መርገምን ጥበራን ተንኰልን ዝመልአ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ልበይ ፅኑዕ እዩ፤ ልበይ ፅኑዕ እዩ፤ ከመስግን እየ፤ ብኽብረይውን ክዝምር እየ።
ኦ ኣምላኸይን፥ ንጉሰይን፥ ልዕል ልዕል አብለካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ።
ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
ስለዙይ ልበይ ደስ በሎ፤ ኣንደበተይውን ዕልል በለ፤ ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።
ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ።
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
ኣንደበተይ ንፅድቅኻ፥ ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።
ክብረይ ይለዓል፤ በገናን መሰንቆንውን ይለዓሉ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ኽትስእ እየ።
ስለ ሓጢኣት ኣፎም ስለ ቓል ከንፈሮም መርገምን ሓሰትን ስለ ዝናገሩ፥ ብትዕቢቶም ይፃወዱ።
ግና ንኽብረይ ክስዕሩ መኸሩ፤ ሓሰትውን ፈተዉ፤ ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ።
ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።
ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።
ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤ ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።
ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።
ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ።
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።
ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ።