Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ያእቆብ 3:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።

Ver Capítulo Copiar




ያእቆብ 3:8
13 Referencias Cruzadas  

መልሓሶም ከም ተመን ኣብልሑ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።


ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።


ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።


ቍጥዓኦም ከም መርዚ ተመን እዩ፤ ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ።


እንሆ ብኣፋቶም ኣስሚዖም ይናገሩ ኣለዉ፤ ሰይፊ ኣብ ከንፈሮም ኣሎ፤ “መንከ ኸይሰምዐና?” ድማ ይብሉ።


ጠዋይ ዝልቡ ሰብ ሰናይ ኣይረክብን፤ ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ።


ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።


ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።


ወይኖም ሕንዚ ገበል እዩ፤ እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።”


ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ።


ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።


እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos