4 እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።
እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።
ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ።
እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።
ከምኡ ድማ፥ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ!