3 እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።
ቍጥዓኻን ትዕቢትካን ናብ እዝነይ በፂሑ እዩሞ፥ መቑለበይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብር እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ።
ነቲ ላዕለዋይ ክዳኑ ኽቕንጥጦ ዝኽእል መን እዩ? ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምንጋጋኡ ኽኣቱ ዝኽእልከ መን እዩ?
ናባኻ ኸይቐርቡ፥ ብልባብን ብልጓምን ከም ዝግርሑ፥ ልቢ ኸም ዘይብሎም ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
ብኣንደበተይ ከይስሕት ንመንገደይ ክሕሉ እየ፤ ሓጢኣተኛ ኣብ ቅድመይ እንትቃወመኒ፥ ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኸንብር እየ በልኩ።
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።