9 ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ከዓ፥ እቲ ሕጊ ይፈርደኩም ኣሎ።
ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ።
ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?
ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።
ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ።
ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።
ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም።
ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ዓመፅ ይገብር፤ ሓጢኣት ድማ፥ ዓመፅ እዩ።