6 ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?
እዙይ ድማ ንድኻታት ስለ ዘጥቅዖምን ስለ ዝሓደጎምን፥ ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ።
ድኻ ይዋረድ፥ ይጐብጥ፤ ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ።
ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥ ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤ ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥ ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
ብትዕቢት ሓጥእ፥ ድኻ ይናደድ፤ ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ።
ኣብ ናይ ዓድታት መድበዪ ተሓቢኡ ይፀናቶ፤ ንንፁህ ብሕቡእ ምእንቲ ኽቐትል፤ ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ።
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
ንስኻትኩም ንምኽሪ ድኻታት ኣሕፈርኩም፤ ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ።
ንድኻ ዝጭቍን ንፈጣሪኡ ይደፍር፤ ንስኡን ዝርህርህ ግና ንፈጣሪኡ የኽብር።
ብድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይፀርፍ፤ ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
ድኻ ብቕብጥሮት ይዛረብ፤ ሃብታም ግና ብትረት ይምልስ።
ክህብትም ኢሉ ንድኻ ዝጭቍን፥ ንሃብታምውን ዝህብ፥ ኣብ ድኽነት ይወድቕ።
ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፤ ተላቃሒ ኸዓ፥ ባርያ መለቅሒ እዩ።
ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።
ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።
ንርእሲ እቶም ኣሕሉቕ፥ ብገዛ ዅናቶም ወጋእኻ፤ ንኣይ ክብትኑ፥ ከም ኣውሎ ነፋስ ኮይኖም መፁ፤ ነቲ ሽግረኛውን፥ ብስውር ምውሓጥ ደስታኦም እዩ።
ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’
ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።
ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።
ምስ ሰኣንዎም ግና፥ ንኢያሶንን ንገሊኣቶም ኣሕዋትን እናጐተቱ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መፂኦም ኣለዉ።
ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ።
ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን።
እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።