3 እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥
ድኻ ብቕብጥሮት ይዛረብ፤ ሃብታም ግና ብትረት ይምልስ።
ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።
ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥
ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?
እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።