21 ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”
ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።
እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ፥
ፀዊዑ ኸዓ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ በዝ ነበልባል እዙይ፥ እሳቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ መልሓሰይ ከዝሕለለይውን፥ ንኣልኣዛር ስደደለይ” በሎ።
ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታን ተሲኡ፥ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተ ነጊርዎም ክንስሁ እዮም” በሎ።
ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ፥ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።
ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?
ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፥ ንይስሓቅ ብእምነት ክስውኦ ኣቕረቦ። ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ እኳ፥ ከምኡውን “ብይስሓቅ ዘርኢ ኽፅውዐልካ እዩ” ተብሂሉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ።
ሓደ ሰብ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፤ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ፥ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።
ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ።