2 ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥
ርብቃ እቲ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበረ ፅቡቕ ክዳውንቲ ዓብዪ ወዳ ኤሳው ወሲዳ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዳ ንያእቆብ ከደነቶ።
ሽዑ ንጉስ ነታ ማሕተም ዘለዋ ቐለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ንሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላኢ ኣይሁድ ሃቦ።
ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።
እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥