12 እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን።
“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።