11 እቲ “ኣይትዘሙ” ዝበለ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ፥ ግና እንተ ቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ።
ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥
ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤
ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ።
ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።
እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።