9 ድኻ ሓውና ልዕል ብምባሉ፥
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
ብድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይፀርፍ፤ ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
ብኸናፍሩ ኻብ ዝውስልት ሰነፍ፥ ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።
ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
“ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም።
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።
ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደገታትኩም ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ሓደ እንተ ደኸየ፥ ልብኹም ኣይተፅንዑሉ፤ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሓውኩም፥ ኢድኩም ኣይትጨብጡ።
‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ።
ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።
ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።