7-8 እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።
“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።
እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።
ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።