Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ያእቆብ 1:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።

Ver Capítulo Copiar




ያእቆብ 1:6
14 Referencias Cruzadas  

ከም ማይ ዘይርጉእ ኢኻ፤ ናብ ምድቃስ ኣቦኻ ደየብካ፤ ዓራት ኣቦኻ ኣርከስካ፤ ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።”


ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ።


ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ።


እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።


ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።


እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።


ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።


ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።


እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።


እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ።


እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነፀፈ ዓይኒ ማይን፥ ንፋስ ዝዅብኵቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት ዘለኣለም፥ ይፅበዮም ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos