3 እምነትኩም እንትፍተን፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።
በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።
ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።
ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥
ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና፥ ብፅንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገስዎ ዘለኹምን፥ ኣብተን ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።
ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥