25 እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።
ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥ ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።
ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥ ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።
ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፤ ለባም ግና ነካይዳኡ ይጥንቀቕ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን።
እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።
እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።
እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ሰበይቲ ግና፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ፀኒዓ እንተ ነበረት፥ ውሉድ ብምውላድ ክትድሕን እያ።
ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ፀኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ጌርካ፥ ንባዕልኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ክተድሕን ኢኻ።
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን።
ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።
እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን፥ ክትነብሩ ኢኹም።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።
“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።
ንእግዚኣብሄር እንተ ፈሪሕኹምዎን እንተ ኣምሊኽኩምዎን ቃሉውን እንተ ሰሚዕኹምን ትእዛዙውን እንተ ሓሊኹምን፥ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ኵሉ ኽቐንዐኩም እዩ።