19 ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ነዙይ ፍለጡ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ዝቐልጠፈ፥ ንምዝራብ ዝደንጐየ፥ ንቝጥዓውን ዝደንጐየ ይኹን፤
እዝራ ኻብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መዓልቲ፥ በብመዓልቱ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ዝተቐደሰ ጉባኤ ገበሩ።
ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።
ኣብታ ስፍራኦም ደው ኢሎም፥ ሰለስተ ሰዓት መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኣንበቡ፤ ሰለስተ ሰዓት ድማ ተናዘዙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ሰገዱ።
ንሳቶም ሓደኳ ኣይተናገሩንሞ፥ ደው ኢሎምውን ኣይመለሱንሞ፥ ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ?
ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
ኣፉ ዝገትእ፥ ህይወቱ ይሕሉ፤ ከንፈሩ ዝኸፍት ግና፥ ጥፍኣት ይረኽቦ።
ቍጡዕ ሰብ ስራሕ ዕሽነት ይሰርሕ፤ መስተውዓሊ ግና ይዕገስ።
ንዕጉስ ሰብ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፤ ቍጡዕ ግና ንዕሽነቱ ይገልፃ።
ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።
ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።
ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።
ምጅማር ጐይቊ፥ ከም ኣፋስሳ ማይ እዩ፤ ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ።
ውሑድ ቃል ዝዛረብ ፈላጥ እዩ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ።
እንተይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ፥ ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ።
ሞትን ህይወትን፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም፤ እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም።
ምስትውዓል፥ ንሰብ ካብ ኵራ ደንጓዪ ይገብሮ፤ ምሕዳግ በደል ከዓ ኽቡር ይገብሮ።
ቍጡዕ ሰብ ቅፅዓቱ ይኸፍል፤ እንተናገፍካዮ ድማ መሊስካ ተግድዶ።
ኣፉን መልሓሱን ዝዕቅብ ሰብ፥ ንሰብነቱ ኻብ መከራ ይሕልዋ።
መንፈሱ ዘይገትእ ሰብ፥ ከምታ ቕፅሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።
በነጋግራኡ ዝህወኽ ሰብ እንተ ርኢኻ፥ ካብኡ ንሰነፍ ዝሐሸ ተስፋ ኣለዎ።
እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ለጥ በለት። በለዓም ድማ ተናዲዱ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።
ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ ዅሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንሓዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ፥ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ‘ኣታ ዓሻ’ ዝብሎውን፥ ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ።
መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ።
እንሆ፥ ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና፥ ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ፥ ዝገብርዎ ሰኣኑ።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦
ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ኣብዙይ እኒሀና” በሎ።
ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።
እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤
ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።
ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣይትስሓቱ።
ኣሕዋተይ፥ ዝተፈላለየ ፈተና ኽበፅሐኩም እንተሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍፀርዎ።
ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት፥ ገፅ ሰብ ርኢኹም ኣድልዎ ኣይትግበሩ።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።
ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥
ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ።