Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 9:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 9:9
23 Referencias Cruzadas  

ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።


ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።


ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!


ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።


ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።


ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥


ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።


ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ።


“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።


ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”


እንሆ እዙይ ይመፅእ ኣሎ፤ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቢይ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።”


እቲ ንጉስ ክትክዝ፥ እቲ ሓለቓ ድማ ሓዘን ክኽደን፥ ኣእዳው እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ራዕራዕ ክብል እዩ። ከም መጠን መንገዶም ክፈድዮም፥ ከከም ዝግብኦም ከዓ ኽፈርዶም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”


ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”


“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”


ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”


“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።


“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos