7 ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዘምለጡ ክወፁ እዮም፤ ነዙይ ከዓ ቕንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።”
ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።
ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ። ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥ ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።
ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤ ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤ ይፍክርን ይዝምርን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ።
ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።