14 ስለዙይ እግዚኣብሄር ብሓደ መዓልቲ፥ ርእስን ጭራን ጨናፍር ስየን ሻምበቆን ካብ እስራኤል ክቘርፅ እዩ።
እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ።
ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ።
እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ዔ። እግዚኣብሄር ባዕሉ በተኖም፤ መሊሱ ቝልሕ ኣይብሎምን፤ ገፅ እቶም ካህናት ኣይሓፈሩን፤ ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን።
እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።
ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’ ኢልካ ስም ኣውፅአላ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ ኢልካ ስመዮ” በሎ።
ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ።
ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።
እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”
ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
ክንድዙይ ዝኣክል ሃብቲ፥ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩሞ።’ ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ።
ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።