Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 9:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 9:12
25 Referencias Cruzadas  

በታ ጊዜ እቲኣ ረኣሶን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፥ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፤ ኤዶማውያን ከዓ ናብ ኤላት መፂኦም ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።


ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ።


ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ።


ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።


ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።


ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!


ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።


ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።


ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።


ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።


ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።


ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ።


እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።


ስለዙይ “እንሆ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኹ፤ ንምግብኺ ኸዓ ኣጕደልክዎ፤ ንፍቓድ እተን ዝፀልኣኺ በቲ ርኹስ መንገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፈኹኺ።


ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”


ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።


“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


“ብሃጕን ብሕሞድያን ወቓዕኩኹም፤ ንብዝሒ ኣትኽልትኻትኩምን ወይንኻትኩምን ኣዋልዕኹምን ኣንበጣ በልዖ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”


ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።


በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos