1 ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኸኽብራ እዩ።
ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።
ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ። ኣሕሉቕ ሰራዊቱውን ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ። ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልማይምን ንዅለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ወቕዕወን።
ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።
ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።