8 ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ።
ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ።
ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ።
ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።
እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤ ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤ ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥ ኣብተን ከተማታትን፥ ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ።
ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፤ ብርቱዕ ማዕበላቱ ድማ ኸደና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፥ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፥ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፥
“ደቁ ንውግእ ክዳለዉ፥ ብዙሕ ሰራዊትን ህዝብን ክእክቡ እዮም። ሓደ ኻብኣቶም ድማ ቐልጢፉ ኽመፅእ፥ ከም ውሕጅ ውሒጁ ኽሓልፍ ተመሊሱውን ክሳዕ እምባኡ ኽዋጋእ እዩ።
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”
ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና።