Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 8:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 8:4
16 Referencias Cruzadas  

ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።


ንጉስ ኣሶር ከዓ ሰምዖ እሞ ደዪቡ ንደማስቆ ሓዛ፤ ኣብኣ ንዝነበሩ ህዝባ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፤ ንረኣሶንውን ቀተሎ።


ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ።


ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።


ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።


መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንገለዓድ ብሓፂን መንኰርኰር ኣኺዱ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደማስቆ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።


ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።


ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥


እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም፥ እቶም ሎሚ ፅቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፥ ንሳቶም ክኣትዉዋ እዮም፤ ነታ ምድሪ ንኣኣቶም ክህቦም እየ፤ ክወርስዋ ኸዓ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos