21 ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም።
ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።
ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም።
እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፤ መዓትውን ሰንከልከል ክሳዕ ዝብል ተዳልዩሉ ኣሎ።
እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ኣዕፅምቱን ስጋኡን ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ሽዑ ሰበይቱ “ገናዶ ኸም ቀደምካ ፍፁም ኴንካ ትነብር ኣለኻ? ንእግዚኣብሄር ፅረፍሞ ሙት” በለቶ።
“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
ሰብ ብስንፍናኡ መንገዱ የቐይንን፤ ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር።
በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ።
እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፤ መንሞ ኽርህርሀልኪ እዩ? ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ጥሜትን ሰይፍን እዮም፤ ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ?
ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።
ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።
ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ናብ ሜዳ እንተ ወፃእኹ፥ እንሆ፥ ብሰይፊ ዝሞቱ ሰባት እርኢ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እንሆ፥ ብጥሜት ዝቓህመሙ ኣለዉ፤ ነቢይን ካህንንውን፥ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።”
ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።
ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።)
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።”