19 ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
እተን ቀጠንቲ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊት ወሓጣአን። እዙይ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፥ ዝፈትሐለይ ግና ኣይረኸብኩን” በሎ።
ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ “ተስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትራኸቦም ደይብ፤ ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቑ ትኸዱ ዘለኹምስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ከዓ ብርግፅ ትመውት እምበር፥ ካብቲ ደይብካዮ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ በሎም” ኢሉ ነገሮ። ኤልያስ ከዓ ኸደ።
ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ኻህን ኬልቅያስ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ምእንቲ ኽፍፀም ኢሉ ነቶም ንመናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑ ንጠንቈልትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣማልኽትን ንጣዖታትን ንዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣቑሑን ኣወገዶ።
ሳኦል ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዉን ነታ ምስ መናፍስቲ ምዉታት እትዛረብ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደለን ሞተ።
ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
ምስ ብዔል ፌጎርውን ተሓባበሩ፤ መስዋእቲ ምዉታትውን በልዑ።
መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም።
ንሳቶም ሞይቶም እዮም፥ ህያዋን ኣይኮኑን፤ ጠፊኦም እዮም፥ ኣይትስኡን፤ ንስኻ ቐፃዕኻዮምን ደምሰስካዮምን፤ ንዅሉ መዘከሪኦምውን ኣጥፋእኻዮ።
ሽዑ ኽትዋረዲ፥ ኣብ ምድሪ ዄንኺ ኽትዛረቢ ኢኺ፤ ቃልኪውን ትሕት ኢሉ ኻብ ሓመድ ክወፅእ፥ ድምፅኺውን ካብ መሬት ከም ዝወፅእ፥ ድምፂ ፀዋዒ መናፍስቲ ክኸውን እዩ፤ ቃልኪ ድማ ኻብ ሓመድ ሕሽዅሹኽ ክብል እዩ።
ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።
ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥ መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤ እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥ እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥ እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥ ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ንስኻትኩም ነቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝእዎን ኢኹም፤ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን፥ ሕልሚ ዝሓልሙልኩምን፥ መናፍስቲ ዝጥይቑልኩምን፥ ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።
ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ።
ጥንቈላኻ ኻብ ኢድካ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ጠንቈልቲ ኣይህልዉኻን እዮም።
ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።
ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥
ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ።
ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።
ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።
ሽዑ እታ ሰበይቲ “ንመንከ ኸተስአልካ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንሳሙኤል ኣተስእለይ” በላ።
ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ፥ ፀላኢኻውን ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ?
ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ።
ሳኦል ድማ መልክዑ ለዊጡ፥ ካልእ ክዳን ተኸዲኑ፥ ምስኡ ኽልተ ሰባት ተማሊኡ፥ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መፀ። “በይዛኺ ምስ መናፍስቲ ተራኺብኪ ነቲ ኣነ ስሙ ዝፅውዐልኪ ሰብ ኣተስእለይ” በላ።